መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ገናሌ ዳዋ III ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክምረቕ ኢዩ

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ገናሌ ዳዋ III ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)250 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ ግድብ ገናሌ ዳዋ III፥ 26 ጥሪ 2012 ዓ.ም ከምዝምረቕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ገናሌ ዳዋ III፥ 2 ነጥቢ 57 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎ።

ንህንፀት እቲ ግድብ 451 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተገበረ እንትኸውን፥ እቲ 60 ሚኢታዊ ካብ ባንኪ ኤክዚም ቻይና ብመልክዕ ልቓሕ፣ እቲ 40 ሚኢታዊ ድማ ብመንግስቲ ዝትሸፈነ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment