መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብምንባብ ካብ ዝርከብ ረብሓ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ኣብ ልምዓት ንክሳተፍ ዕድል ከምዝፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብምንባብ ካብ ዝርከብ ረብሓ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ኣብ ልምዓት ንክሳተፍ ዕድል ከምዝፈጠረ ሚኒስቴር ቱሪዝም ገሊፁ።

ልምዓት ቱሪዝም ንምቅልጣፍ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘድሊን ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ናይ ባዕሉ ግደ ከምዘበርከተን ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ስለሺ ግርማ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብምንባብ ካብ ዝርከብ ረብሓ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ኣብ ልምዓት ንክሳተፍ ዕድል ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝርከቡ ሰፍራታት ቱሪዝም ነክለምዑ ምሕሳቡ ኢሉ እውን ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲታት ዘማእኸለ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሮጀክቲታት ብዝተሓሰቦ ልክዕ ለሚዖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ቅድመ ሐዚ ኣብቲ ዓውዲ ዝነበሩ ኣፈፃፅማታት መርኣያ ኢዮም ኢሎም።

ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ብዝርከብ ኣታዊ፥ ዝህነፁ፣ ዝለምዑን ዝሕደሱን ስፍራታት ቱሪዝም ንሃገር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘይለምዑ ሃፍቲታት ቱሪዝም ናብ ዕዳጋን ልምዓትን ንምምፃእ ቅኑዕ መገዲ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ክልላት እቲ መፅሓፍ ብምሻጥ ኣታዊኡ ንዝተዓለመሉ ዕላማ ነክውዕል ብንቕሓት ንክሰርሑ ሓቲቶም።

ብዮሐንስ ደርበው

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment