መፃኢ ዘበን ብሩህ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኦሮሚያ ክልል ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ሉሜ መርሃ ግብሪ ምዝዛም ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃግብሪ መፃኢ ዘበን ብሩህ ኢዩ ዝበሉ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እንሸጋገሮን ዘይንኽእልን ምዃና እነረጋግፀሉ ኢዩ ኢሎም።

ከምኡውን ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ብዘቐመጥናዮ ትልሚ መሰረት እናተዛዘሙ ናይ ኢትዮጵያ ምፅናዕ ከምዘረጋግፅ ሓምለዋይ ኣሰር መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ገናናነትን ነፃነትን ዝረጋገፅ ድማ መላእ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ግንባራት ብሓደ ልቢ ደው እንትብል ኢዩ፤ ሐዚ ኢትዮጵያ ዝገጠማ ጦርነት ክነሸንፍ ኢና፤ ሰላም ክነምፅእ ኢና፤ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ግዝኣት ሓድነት እውን ክነረጋግፅ ኢና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት 20 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኣብ 2011 ብዝጀመረቶ ስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን  18 ቢሊየን ፈልሲ ተኺላ ኢያ።

ብአልዓዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment