መጠን ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኩይናት ብዝተገበረ ጥቡቕ ቁፅፅርን ክትትልን ይቕንስ ኣሎ-ኮሚሽን ጉምሩክ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 12፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብልዑል ቡርኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ መጠን ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኩይናት ብዝተገበረ ጥቡቕ ቁፅፅርን ክትትልን ይቕንስ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ምስ ፋና ብሮድካስቲግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረ ፃንሒት፥ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ሃገር ንዝኸፍአ ሓደጋ ከቃልዑ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ሓዊሱ ኣብ ተግባር እንተይወዓሉ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ዝለዓለ ብፅሒት ዝነበሮ ምስ ደቡብ ሱዳን ብዘዋስኑ ከባቢታት ምብራቕ ፣ ሰሜን ምዕራብን ጋምቤላ ክልልን ብስፍሓት እንትፍፀም ዝነበረ ኢዩ ዝቐነሰ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ባዕሉ ክኢሉ ካብ ዝውደብ ጀሚሩ መመሓየሺ ኣሰራርሓ ክትትልን ቁፅፅርን ብምግባር ብዝተገበረ ጥቡቕ ቁፅፅር እቲ ዝውውር ከምዝቐነሰ ድማ ተዛሪቦም።

እቲ ስራሕቲ ቁፅፅር ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ህዝብን  ብምውዳድ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሪም።

ብተወሳኺ ፍልፍል ኮንትሮባንድ ንምድራቕ መፅናዕቲ ካብ ምግባር ጀሚሩ ኬላታት ብምውዳብ፣ ሓይሊ ሰብ ብምጥንኻርን ኣቕርቦት እታዎት ብምምላእ ትኹረት ዝተውሃቦም ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ብሓፈሻ ኣስታት 19 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ዝግመት ናውቲታት ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment