መጠን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና እናሰፍሐ ይኹን እምበር ሰባት መከለኸሊ መገዲታት እናተግበሩ ኣይኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መጠን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና እናሰፍሐ ይኹን እምበር ሰባት መከለኸሊ መገዲታት እቲ ቫይረስ ብግቡእ እናተግበሩ ከምዘይኮኑ ቢሮ ጥዕና ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ኣፍሊጦም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮሮፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ቢሮ ጥዕና  ክልል ኦሮሚያ ዳይሬክተር ምቁፅፃር ሃንደበታዊ ሕማማትን ምርምር ጥዕናን ኣይተ ገመቹ ሹሜ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝረአ ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና መተሓሳሰቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ዝግበሩ ውሑዳት ምርመራታት ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝርከቦምን ህይወቶም ዝስእኑን ሰባት ልዑል ምዃኑ ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

ቀንዲ ምኽንያት ምብእኣስ እቲ ሕማም ድማ ምልዓል ህፁፅ ኣዋጅ ስዒቡ ብሚኒስቴር ጥዕና ዝወፅኡ መምርሒታት ተግባራዊ ዘይምግባሮም ከምዝኾነ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኣይተ ኣቅናው ካውዛ ብግደኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ልዑል ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ሰለስቲኦም መከላኸ፤ሊ ሕጊታት ብዘይምትግባር ዝመፅእ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ምዝንጋዕ ዜጋታት ሓሊፉ ድማ ኣካላት መንግስቲ ዘርእዩዎ ዕሽሽታ እቲ ቫይረስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትየጶጵያ ዘየለ ኣምሲሉዎ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እቲፀገም ንምፍታሕ ምስ ኣካላት መፈፀምቲ ሕጊ ብምውዳድ ከምዝስራሕ እውን ኣገንዚቦም።

ዓቕሚ ምምርማር ምዕባይ ሓደ መፍትሒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓለፍቲ፥ ምስ ሕፅረት ኪታት መመርመሪ ቫይረስኮሮና ተተሓሒዙ ከም ሃገር ይኹን ከም ክልል ትሑት ዓቕሚ ምርማር ከምዘሎ ገሊጾም።

እቶም ሓለፍቲ፥ ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ቅድሚ ምቅለዖም መምርሒታት መከላኸሊ ንኽትግብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment