መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ናብ ኣደማ መውፅኢ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ ተዓፂዩ ዝነበረ መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ዋና ናብ ኣደማ መውፅኢ መስመር ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ከምዝተገበረ ኢንተርፕራይዝ መገዲታት ክፍሊት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መራሒት ጉጅለ ኮሙኒኬሽን እቲ ኢንተርፕራይዝ ዘሃራ መሃመድ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ክበሃል ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ዝሓፈ ሰሙን 8 ጥሪ ከምዘጋጠሞ ኣዘኻኺረን፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ናብ ኣደማ መውፅኢ ንተሽከርከርቲ ክዕፆ ተገይሩ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን፡፡

እቲ ኣገልግሎት ናብ ቦትኡ ንምምላስን እቲ መገዲ ንተጠቀምቲ ክፍቲ ንምግባርን ካብ ሰራሕተኛታት ፅሬት ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ርብርብ እናተገበረ ከምዝፀነሕ ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 3፡30 ጀሚሩ ንተሸከርከርቲ ክፍቲ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment