መገዲ ኣየር ፍሮንቲየር ኣብ ምዕላብ እናሃለወት ብሓዊ ናይ ዝተተሓሓዘት ኣውሮፕላን መበገሲ ምኽንያት እናፃረየ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብረትነ ናይ መገዲ ኣየር ፍሮንቲየር ዝኾነት ኣውሮፕላን ቀዳም ምሸት ካብ ሳንዲያጎ ናብ ላስቬጋስ እናበረረት ኣብ ምዕላብ እናሃለወት ብሓዊ ዝተተሓሓዘትሉ መበገሲ ምኽንያት እናፃረየ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

190 መገደኛታትን ሸውዓተ ኣባላት በረራን ሒዛ እናተጓዓዘት ዝነበረት እታ ኣውሮፕላን፤ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሃሪ ሬድ ክትዓልብ ክትብል ኣብ ጥቓ ጓማኣ ትኪን ባርዕ ሓዊን ተራኢዩ።

በዚ ድማ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ እቲ ሓዊ ንምጥፋእ ኣብ ዝገበሩዎ ርብርብ እቲ ሓዊ ከምዘጥፍኡዎን መገደኛታት ብዘይ ጉድኣት ከውፅኡዎም ከምዝኸኣሉን እቲ ኩባንያ ኣብ ትዊተር ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ ኣብ ምርመራ ከምዘርከብ መገዲ ኣየር ሃሪ ሬድ ምሕባሩ ኤቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment