መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 10 ቶን ዝምዘን ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ካል ኣፍራዪ ኤርባስ ኣውሮፕላንን ኣቪዬሽን ሳንስ ፍሮንተርስ ዝተብሃለ  ኩባንያ ፈረንሳይን ብምትሕብባር 10 ቶን ዝምዘን ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ንሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣረኪቦምወን።

ንዝተፀገሙ ወገናትን ንኣገልግሎት ሕክምና ዝውዕሉ ዓራታት፣ ወንበራት፣ ዝተፈላለዩ ሃነፅቲ ምግቢታትን ድንኳናትን ዘካተተ ሓገዝ ከምዝኾነ ተሓሩ።

ዝተገበረ ሓገዝ ንሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment