መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ሽረ እንዳስላሰ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ውዕሊ ሰላም ስዒቡ ናብ ሽረ እንዳስላሰ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ሎሚ መዓልቲ ዳግም ጀሚሩ።

እቲ መገዲ ኣየር÷ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ዳግም ስሩዕ በረራ ምጅማሩ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፈላማይ በረራ ዝተሳፈሩን ዝተፈለዩዎም ስድረኦም ንምርካብ ናብ ሽረ እንዳስላሰ ጉዕዞ ዝጀመሩን ተጓዓዝቲ ትራንስፖርት ኣየር ብምጅማሩ ምሕጓሶም ተዛሪቦም።

እዚ ጋህዲ ንኽኸውን ዝገበረ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስለዝኾነ÷ ንተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብፀጋዬ ወንድወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment