መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተረከቦም ሎጃትን ሪዞርታትን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዘእትዎም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሮጀክት ገበታ ንገር ተሃፆም ኣብ ትሕቲ ሆቴል ስካይ ላይት ክመሓደሩ ዝተረከቦም ሎጅን ሪዞርታትን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ መካየዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ኣፍሊጦም፡፡

ሪዞርት ሃላላ ኬላ፣ ሎጅ ዳና ዝሆን ጨበራ፣ ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ ከምኡ እውን ኢኮ ሪዞርት ጎርጎራ ኣብ ትሕቲ ሆቴል ስካይላይት ንኽመሓደሩ ከምዝተረከቡ ኣይተ መስፍን ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ሎጃትን ሪዞርታትን ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረተት ስታንዳርድ ሆቴል ስካይ ላይት ኣገልግሎት ምሃብ ንኽኽእሉ ምድላው ከምዝተገበረ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment