መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዘገልግሉ ሄሊኮፕተራት ይገጣጥም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ካብ ወፃኢ ዝመፅኣ ሄሊኮፕተራት ይገጣጥም ኣሎ።

እቲ መገዲ ኣየር፥ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ብምትሕብባር ኣምበጣ በረኻ ንምጥፋእ ኬሚካል ንምንፃግ ዘገልግላ ሰለስተ ሄሊኮፕተራት ካብ ወፃኢ ምጉዕዓዙ ኣፍሊጡ።

ካብ ወፃኢ ብመዝመፅኡ ሰብሞያታትን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ፅገናን፤ ኣብ ማእኸል ፅገና እቲ መገዲ ኣየር እናተገጣጠማ ከምዝርከባ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment