መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ19 ናብ መላእ ዓለም ንምክፍፋል ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ19 ናብ መላእ ዓለም ንምክፍፋል ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ድሌት ክታበት ኮቢድ19 ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክዘልቕ ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ይቐንስ እምበር ኣውሮፕላናት ኣገልግሎት ፅዕነት ክህባ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣታዊ ክበፅሕ ዝነበረ ፅዕንቶ ክፃወር ክኢሉ ኢዩ፡፡

ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ፍፁም ኣባዲ፥ ቀንዲ ዓማዊል እቲ መገዲ ኣየር ሚኒስቴር ጥዕናታትሃገራት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ንጉሆ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን መጠን ዘለዎ ክታበት ቫይረስኮሮና ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዊ ይፍለጥ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ተጓዝቲ እናወሰኸ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ኣይተ ፍፁም፥ ብመንፅ ስሩዕ እዋን እንትረአ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርቂ ዝኾኑ ዓማዊል ምትእንጋድ ምጅማሩ ንሬውተርስ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment