መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ኣውሮፕላናት ንምእታው ኣብ ምድላው ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ተወሰኽቲ ክልተ ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ኣውሮፕላናት ንምእታው ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፁ።

ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ኣውሮፕላን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን በረራ ዝጀመረሉ 10ይ ዓመት ተኸቢሩ።

ኣብዚ እዋን እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ኣውሮፕላን ናብ ስራሕ ብምእታው ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ ብብርኪ ዓለም ድማ ካብ ጃፓን ቀፂሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተቐሚጡ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ምኽባር በዓል ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው÷ ቦይንግ 787 ኣዚዩ ዘበናዊን ንተጓዓዝዝቲ ምቹውከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝርከባ 140 ኣውሮፕላናት እተን 27 ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ኣውሮፕላናት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ኣመራርሓታት እቲ ትካል ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዎም ርክብ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ቦይንግ 787 ከም ኣቆፃፅራ ኣወሮፓውያን 2012 ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ተመልኪቱ፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment