መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ንዝኣተዉ ናውቲታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝግበር ክፍሊት ኣገልግልት መኽዘን ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሕቡራት ኤምሬትስ ዓረብ ንዝኣተዉ ናውቲታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝግበር ክፍሊት 25 ሚሊየን ብር ኣገልግልት ክራይ መኽዘን ሰሪዙ።

እቲ መገዲ ኣየር ብካርጎ መኽዘን ዝተኸዘኑ ናውቲታት ደገፍ ሎሚ መዓልቲ ንኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓን ኣረኪቡ።

ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ግድኡ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፆም።

ሕቡራት ኤምሬትስ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኲናትን ድርቂን ነዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 114 ሺሕን 400 ኪሎ ግራም ምግቢን ካልኦት ናውቲታትን ምልኣኹ ሓቢሮም።

እቲ መገዲ ኣየር ነቶም ናውቲታት ደገፍ ብምርካብ ኣብ መኽዘን ፅዕነት ፅርየቶም ሓሊዩ ከምዘፅነሐ እወን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ነቶም ናውቲታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝግበር ክፍሊት 25 ሚሊየን ብር ኣገልግልት ክራይ መኽዘን ከምዝሰረዘ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment