ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ እትጓዓዝ ምስ ዝነበረት ነፋሪት ተዛሚዱ ንዝተፈጠረ ፀገም ምርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።
ኣባላት እቲ በረራ ንግዚኡ ከምዝተኣገዱ እውን ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ዕለተ ሰኑይ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት በረራ ቁፅሪ ET343 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዘሎ ማእኸል ምቁፅፃር ትራፊክ ኣየር ዝነበረ ርክብ ተቛሪፁ ከምዝነበረ ዘርእዩ ሓበሬታታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ እዚ እታ ነፋሪት ብሰላም ከምዝዓረፈት ገሊፁ።
ብመሰረት ዝረኽቦ ውፅኢት ምርመራ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝወስድ እወን ሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።