መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፍሪታወን ቀጥታ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፍሪታወን ቀጥታ በረራ ጀሚሩ።

እቲ በረራ ኣብ ሰሙን 3 ጊዘ ዝካየድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፥ እቲ በረራ ንኣፍሪካ ብኣየር ትራንስፖርት ንምትእስሳር ዝግበር ስራሕ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም።

እቲ በረራ ምጅማሩ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሴራሊዮንን ዝነበረ ኩለ መዳያዊ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

Comments (0)
Add Comment