መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሽልማት ጉዕዞ ብ6 ዓውዲታት ሕፁይ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሽልማት ጉዕዞ ብ6 ዓውዲታት ሕፁይ ኮይኑ።

እቲ መገዲ ኣየር ሕሩይ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ፣ ሕሩይ መገዲ ኣየር ክላስ ቢዝነስ ኣፍሪካ፣ ሕሩይ መገዲ ኣየር ክላስ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ፣ ሕሩይ ብራንድ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ፣ ሕሩይ ኣብ እዋን በረራ መሀደሲ መፅሄት ሰላምታን ሕሩይ ሆቴል ኮንፈረንስ ኣፍሪካ(ስካይ ላይት ኢትዮጵያ)ብዝብሉ ዓውዲታት ኢዩ ሕፁይ ኮይኑ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ጠነግ ብምጥዋቕ ኩርዓት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ነዝኾነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደምፆም ንክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ።

https://www.worldtravelawards.com/vote-r3#votenow

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment