መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ፅገና ነፈርቲ “ኤቲኣር” ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ፅገና ነፈርቲ “ኤቲኣር”ን ስልጠና ምዕባይ ዓቕሚን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ድልየት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣገለግሎት ኤቲኣር ኣብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ብምስፋሕ ንምምሕዳራት ውሽጢ ዓዲ ዝሓሸ ደገፍ ኣብ ምሃብን ምዕባለ ዕዳጋ ከብ ኣብ ምባልን  ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ ምትሕብባር፥ ማእኸል ፅገናን ስልጠናን ኢትዮጵያ ንኤቲኣር ፅገና ነፈርቲን ምጉልባት ዓቕሚን ኢሉውን ኣብዚ ቀጣና ንዘለዉ ምምሕዳራት ኤቲኣር ቀረብ መለዋወጢ ብምዝርጋሕ ምላሽ ናይ ምሃብ እዋን ንምቕናስ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ አየር መንገድ ግሩፕ ዋና ስራ አስፈፃሚ አቶ መስፍን ጣሰው ፥ ይህ አጋርነት የኢትዮጵያ አየር መንገድ የአፍሪካ አህጉር እና መካከለኛው ምስራቅ የአቪዬሽን ማጣቀሻ ለመሆን ካለው ራዕይ ጋር የሚጣጣም ነው ብለዋል።

ብመሰረት እዚ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ ዕላማ እቲ ስምምዕ ፍልጠትና ንምክፋልን መላእ ማሕበረሰብ ኣቪዬሽን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ንምጥቃመን ከምዝኾነ ምግላፆም ኣብቲ ኩባኒያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment