መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኤ350-1000 ዝተሰመየት ኣውሮፕላን ከምዝርከብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተትሓዘ ወርሒ ጥቅምቲ ኤ350-1000 ዝተሰመየት ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው÷ “እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘለዎ ቀዳማይ ቦታ ክቕፅል ንምግባር በቢእዋኑ ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት እናምፀአን ዓለም ለኸ መብፅሒኡ እናስፈሐን ይርከብ” ኢሎም።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኩባኒያ ኤር ባስ ዝርከባ ”Ethiopia Land of Origins” ብዝብል መፀውዒ ዝተሰመየት ኤ350-1000 ኣውሮፕላን እወን ብዓይነታ ፍልይቲን ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኤ350-900 ኣውሮፕላናት ምጥቃም ካብ ዝጅምር ሸውዓተ ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን 20 ኤ350-900 ኣውሮፕላናት ኣብ ስራሕ ከምዝርከባ ሓቢሮም፡፡

ኤ350-1000 ኣውሮፕላን ድማ 400 መቐመጢ ዘለዉዋ ነዓማዊል ልዑል ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመላ ከምዝኾነት እቶም ዋና ፈፃ ስራሕ ኣብሪሆም።

እቲ መፈዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን÷ ብ147 ኣውሮፕላናት 139 ዓለም ለኸን 22 ናይ ውሽጢ ሃገርን መብፅሒ በረራታት እናሸፈነ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment