መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኸ ለበዳ ኮቪድ -19 ፃዕሪ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኸ ለበዳ ኮቪድ -19 ፃዕሪ ንዝገበሮ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ኣብ ዝተሳለጠ ፈላማይ ኮንፈረንስ ድህረ ኮቪድ ኢዩ እቲ ሽልማት ኣፍሊጦ ተዋሂቡ።

እቲ ሽልማት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከባ ሃገራት ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዓሊመን ኣብ ረብሓ ዘውዕለኦም ዝተፈላለዩ ናውቲታት ሕክምና ብምጉዕዓዝ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ሂቡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ንምድሓን ብመሰረት ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ እቲ ሽልማት ከምዝተውሃቦ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

 

Comments (0)
Add Comment