መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ 78 ዓመታት ጉዕዞ ዓወቱ ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምድላው ናብ ካይሮ በረራ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግልጋሎት ንሃብ ዝጀመረሉ መበል 78 ዓመት ኣመልኪቱ ፈላማይ በረራ ናብ ዝገበረላ ካይሮ ብፍሉይ ምድላው በረራ ገይሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 29 መጋቢት 1946 ብኣስመራ ኣቢሉ ናብ ግብፂ ካይሮ ብ/5C-47/ ኣውሮፕላን ፈላማይ በረራ ገይሩ ነይሩ።

ትማሊ ኣብ ዝተገበረ ፍሉይ ጉዕዞ÷ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፣ ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ለማ ያዴቻን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየርን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብራንድ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፍልፍል ኩርዓት ኣፍሪካውያን ኢዩ።

ፍልፍል ዓወት እቲ መገዲ ኣየር ዓማዊሉ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ ኣብቲ ዕለት ኣብቲ መገዲ ኣየር እናተገልገሉ ንዝነበሩ መገደኛታት ህያብ ብመሃብ ምምስጋኖም ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment