መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ጃፓን ዝገብሮ ሰሙናዊ በረራ ናብ 7 ክብ ክብል ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ቅድም ክብል እናሰርሓሉ ዝነበራሉ ስምምዕነት ትራንስፖርት ኣየር ኣመሓዪሸን፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ቢሮ ሲቪል ኣቪዬሽን ክፍሊ ትራንስፖርት ኣየር ጃፓንን ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ጃፓን ዝገብሮ ሰሙናዊ በረራ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ንኸዓቢ ተስማዕሚዖም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ቅድም ክብል ሓምሻይ መሰል ትራፊክ ብምጥቃም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ስምምዕነት በረራ ገደብ ንኽለዓል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ቅድም ክብል ብመሰረት ዝነበረ ስምምዕነት÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 50 ሚኢታዊ ናይ ምፅዓን ዓቕሚ ጥራሕ ክጥቀም ይኽእል ነይሩ፡፡

ሕዚ ብዝተገበረ ስምምዕነት ድማ እዚ ገደብ ንኽለዓል ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment