መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝገብሮ ቁፅሪ በረራ ቅድሚ ኮቪድ-19 ናብ ዝነበሮ መጠን ከዕብዮ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 መጋቢት ጀሚሩ ናብ ቻይና ዝገብሮ ቁፅሪ በረራ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ዝነበሮ መጠን ከምዘዕብዮ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ቅድም ክብል ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ቻይና ገደብ ጉዕዞ ምግባራ ስዒቡ ናብ ከተማታት እታ ሃገር ዝገብሮ መጠን በረራ ነክዩ ፀኒሑ ኢዩ።

ይኹን እምበር ቻይና ዝነበረቶ ገደብ ጉዕዞ ምልዓላ ስዒቡ÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 መጋቢት ጀሚሩ ናብ ቻይና ዝገብሮ ቁፅሪ በረራ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ዝነበሮ መጠን ከምዘዕብዮ ምሕባሩ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment