መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቦትስዋና ከተማ ማኡን በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቦትስዋና መብፅሒት ቱሪስታት ናብ ዝኾነት ከተማ ማኡን በረራ ጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ለማ ያዴቻ፣ ኣምባሳደር ቦትስዋና ኣብ ኢትዮጵያ ተብሌሎ ኣልፈርድ ቦአንግ ተረኺቦም።

ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ እቲ መገዲ ኣየር ዓለም ለኸን ኣህጉራዊን መብፅሒኡ በቢእዋኑ እናስፈሐ ይርከብ።

ኣፍሪካን ኣፍሪካዊያንን ንምትእስሳር ዝሓዞ ትልሚ ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment