መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ባንጉይ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ሴንትራል ኣፍሪካ ባንጉይ በረራ ጀሚሩ።

ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ለማ ያዴቻ÷ ኣብ 2030 ናብ ርእሰ ከተማ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ምብራር ትልሚ ከምዘሎ ኣልዒሎም፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም መብፅሒ በረራ እናስፈሐን ቁፅሪታት ኣውሮፕላን እናወሰኸ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ናብ ሴንትራል ኣፍሪካ ባንጉይ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመሮ በረራ ድማ ኣብ ኣፍሪካ መብፂሒ በረርኡ ናብ 63 ከብፅሕ ክኢሉ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዘ ናብ ባንጉይ በረራ ከምዝገብር ኣመልኪቶም፡፡

ብበረከት ተካልኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment