መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጃክ ማ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝተወፈዩ ካልኣይ ዙር ኣቑሑት ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ምክፍፋሉ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመስራቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ፋውንዴሽን ኣሊባባ ጃክ ማ ንካልኣይ ዙር ንሃገራት ኣፍሪካ ዝተወፈዩ ኣቑሑት ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ኣከፋፊሉ ከምዝዛመ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝለኣኾ መግለፂ፥ እቶም መሳርሕታት ሕክምና ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ንኽከፋፍል ዕድል ዘሃቡዎ ንጃክ ማ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ንኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ግልጋሎት እናሃበ ዝርከብን መገዲ ኣየር ፓን ኣፍሪካ ዝኾነን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ መሳርሒታት ሕክምና ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብምቕራብ ህይወት ኣፍሪካውያን ከድሕን ምኽኣሉ ከምዘሐጎሶ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፥ እቲ መገዲ ኣየር መሳርሒታት ሕክምና ንኸቕርብን ማእኸል ምክፍፋልን ኽኸውን ንዝመረፁዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ጃክ ማን ኣመስጊኖም።

ኣማኢት ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ መሰረተ ልምዓት ካርጎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፍሪካ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ከምዘሕጎሶም እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment