መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ንዝግዝኡ ኣቑሑት ማእኸል ካርጎ ናብ ስራሕ ከእቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ንዝግዝኡ ኣቑሑት (ኢ-ኮሜርስ) ዝውዕል ማእኸል ካርጎ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዘእቱ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ እቲ ግልጋሎት ካርጎ ንምስረላጥ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክልተ ዘበናዊ ማእኸላት መኸዘኒን መዋደዲን ካርጎ ናብ ስራ ከምዘእተወ ሓቢሮም።

ጎና ጎድኒ ድማ 16 ኣውሮፕላናት ግልጋሎት ፅዕነት (ካርጎ) ኣብ ስራሕ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ግልጋሎት ትራንስፖርት እቲ ዓውዲ ንምስላጥ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ 100 ቶን ናይ ምፅዓን ዓቒሚ ዘለዎ ዓብዪ ኣውሮፕላን ካርጎ ካብ ኩባኒያ ቦይንግ ከምዝከብ እውብ ኣብሪሆም።

“እቲ መገዲ ኣየር ካብዚ ብተወሳኺ ብ50 ሚሊየን ዶላር ዘህነፆ ሳልሳይን ንኢ-ኮሜርስ (ብኦን ላይን ንዝግዝኡ ኣቑሑት) ዝውዕል ዘበናዊ ማእኸል ካርጎ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከእቱ ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ድማ ብስርዓት ኤሌክትሮኒክ ዝዕደጉ ኣቑሑት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ንምጉዕዓዝን ምትእስሳር ዕዳጋ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ከምዘኽእል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment