መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽፋል ናብ ውልቀ ንምዝውዋር ዝተጀመረ ከይዲ ደው ከምዝበለ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽፋል ናብ ውልቀ ንምዝውዋር ዝተጀመረ ከይዲ ደው ከምዝበለ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣፈፃፅማ መደባት ርባዕ ዓመት 2013 ዓ.ም ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት 80 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝተኣከበ ብምግላፅ፥ 97 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ብልቓሕን ሓገዝን 474 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ምስ ኮሮና ብምትሕሓዝ ካብ መንግስቲ ጃፓንን ጀርመንን 131 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።

ናህሪ ዋጋ ምስ ሕሉፍ ወርሒ እንትነፃፀር መጠነኛ ምንካይ ከምዘርኣየ እውን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ምስ ፕራይዜታይዜሽን ብምትሕሓዝ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ቅድመ ሐዚ ፍቓድ ክወሃብ ኢዩ ካብ ዝተብሃለ ክልተ ኩባኒያታት ቴሌኮም ብተወሳኺ ምስ መንግስቲ ብሓባር ዝሰርሕ ሓደ ተወሳኺ ኩባኒያ ቴሌኮም ፍቓድ ከምዝወሃብ ኣፍሊጦም።

እዚ ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ፕራይዜታይዜሽን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽፋል ናብ ውልቀ ንምዝውዋር ዝተጀመረ ከይዲ ደው ከምዝበለ እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እቲ መገዲ ኣየር ዓለም ለኻዊ ሽምን ዝናን ከምኡውን ልዑል ከስቢ ካብ ዝረኽቡ ትካላት ሓደ ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ብምግንዛብ ፕራይቬታይዝ ናይ ምግባር ከይዱ ኣቋሪፁ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ፋብሪካ ሽኮር ፕራይቬታይዝ ንምግባር ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ወፃኢ ንክኣትዉ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጦም።

ንሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሲኤምሲ ዝህነፁ መንበሪ ኣባይቲ ብጨረታ ብምሻጥ ክሳብ 1 ቢሊየን ብር ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን “ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ኣባላት ካቢኔ ሕጋዊ ብዘይኮነ ምርጫ ተመሪፅና ኢና ብዝብል ሕገ መንግስቲ እዛ ሃገር ምጥሓሶም ስለዝገለፁ፥ ሚኒስቴር ገንዘብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ንመንግስቲ ክልል ትግራይ በጀት ከምዘይልእኽ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ንዝርከባ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ንምምሕዳራት ወረዳን ከተማን ብተናፀል ንክበፅሖም ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment