ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣፍሪካ ብመሸጣ ትኬት ዝረኸቦ ኣታዊ ብዶላር፣ ፓውንድን ዩሮን ንምእካብ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው÷ መገዲ ኣየራት ብዝኣተወኦ ውዕሊ መሰረት ብምግባር መሸጣ ትኬት ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሃገራት ከምዝፍፀም ተዛሪቦም፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሃገራት ብዝካየድ መሸጣ ትኬት ዝተረኸበ ኣታዊ ንወናኒ እቲ ትኬት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዶላር፣ ፓውንድ ወይ እውን ብዩሮ ተቐይሩ ኣታዊ ከምዝግበረሉ ኣብሪሆም።
ብምዃኑ እቲ መገዲ ኣየር ብመገዲ ኣየር ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ መሸጣ ትኬት ዝረኸቦ ልዕሊ 180 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ክሳብ ሕዚ እንተይተኸፈሎ ምፅንሑ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com