ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትሃድን ብሓባር ንምስራሕ ዝኽእሎም ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከቲሞም።
እቲ ስምምነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰውን ላዕለዎት ኣመራርሓ መገዲ ኣየር ኢትሃድን ተፈራሪሞምዎ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣቡ ዳቢ ሓዱሽ ቀጥታ በረራ ከምዝጅምር ምግላፁ ካባቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡