መገዲ ኣየር ኢራን ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝገብሮ በረራ ኣቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢራን ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝገብሮ በረራ ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ኢራን ኤር፣ ሳሃ ኤርላይንን ማሃን ኤርን ኣብ ልዕሊ ዝተብሃላ መገዲ ኣየራት ኢራን ዘንበሮ ማዕቐብ ስዒቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ናብ ኣውሮፓ ንምኻድ ትኬት ቆሪፆም ዝነበሩ መገዲታት እቲ በረራ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተቛረፀ ብፅሑፍ መልእኽቲ ክፈልጡ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ንሩሲያ ሚሳኤልን ድሮንን እናቕረባ ነይረን ብዝብል ኣብ ልዕ ሰለስተ መገዲ ኣየራት ኢራን ሓዱሽ ማዕቐብ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ሕብረት ካብተን መገዲ ኣየራት ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ትካላትን ሸውዓተ ውልቀ ሰባትን ማዕቐብ ከምዝተነበረ ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment