መገደዲ ደረጃ ፅሬት ኢትዮጵያ ዘየማልኡ ፍርያታት ናብ ሃገር ከይኣትዉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣተውቲ ፍርያታት ብዝተገበረ ፍተሻ ላብራቶሪን ኢንስፔክሽንን፤ መገደዲ ደረጃ ፅሬት ኢትዮጵያ ዘየማልኡ ፍርያታት ናብ ሃገር ከይኣትዉ ተኣጊዶም።

ብዝተገበረ ፍተሻ ላብራቶሪን ኢንስፔክሽንን 3 ነጥቢ 5 ሜ.ቶ ኤል ኢ ዲ ኣምፖል፣ 25 ነጥቢ 8 መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ፣ 368 ካርቶን (368 ሺሕን 800 ፍረ) መጠን ዘለዎ መባኸኒ ሓይሊ ኣምፑል፣ 4 ሺሕን 800 ፍረ ቆርቆሮ፣ 8 ነጥቢ 131 ሜ.ቶ ሓፂን፣ 12 ነጥቢ 6 ሜ.ቶ ዝተጠቕለለ ቆርቆሮ፣ 5 ሺኽ ፍረ ፍሎረሰንት ኣምፑል ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 293 ካርቶን ሶኬት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ፣ 55 ነጥቢ 3 ሜ.ቶ ክክዕ ዓተር፣ 24 ነጥቢ 93 ሜ.ቶ ሩዝ፣ 693 ነጥቢ 8 ቶን ቀይሕ ሽጉርቲ ናብ ሃገር ከይኣትዉን ጥዕና፣ ድሕንነትን ረብሓን ሕብረተሰብ ከይጎድእ ከምዝተገበረን ዳይሬክተር እቲ ዓውዲ ኣይተ ኢያሱ ስምኦን ምግላፆም ካብ ሚኒሰስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment