መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኢኒሼቲቭ ብሩህነት ኢትዮጵያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኢኒሼቲቭ ብሩህነት ኢትዮጵያ ተሳሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ “ብሩህ ጉዕዞ” ብዝብል ስያመ ብደገፍ መንግስቲ ቻይና ዝትግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይ፣ ፕሬዚዳንት ሆስፒታል ዓይኒ ዛንግ ዌይን ካለኦት ኣመራርሓን ክኢላታትን እቲ ዓውዲ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም።

ንሆስፒታል ቤጂንግ ጥሩነሽ ናይ 40 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ሕክምና ርኽከብ ተገይሩ።

12 ኣባላት ዘለውዎ ልኡኽ ዶክተራት ቻይና ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ኣገልግሎት ን500 ሕሙማት ዓይኒ ሕክምና ንምሃብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣብቲ መድረተገሊፁ።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment