መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ውድብ ብልፅግና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ውድብ ብልፅግና ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ወድብ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሓለፍቲ ቅርንጫፍ ኣብያተ ፅሕፈት ክልላት ተረኺቦም።

ኣይተ ኣደም፥ ብኣረኣእያን ተግባርን ዝተዋሃደ ኣመራርሓ ብምፍጣር ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓት ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ከምኡውን ተሳትፎ ህዝቢ፣ ተረባሕነትን ርውየትን ምርግጋፅ ቀንዲ ዕላማ ብምግባር እቲ ፓርቲ ኣብ ምንቅስቓስ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ከም ፓርቲ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዝተኸየደሉ ርሕቐት ብዕምቆት ከምዝግምገም ምግላፆም ካብኢ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብፍላይ ኣብ ፅባሕ ምርጫ እቲ ፓርቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብርኪ ተፈፃምነቶም ምግምጋም፣ ኣብ ሓሙሽቲኦም ሃገራዊ ዓውድታት ትኹረት ልምዓት ዝተረኸቡ ውፅኢታት፣ ዛንታ ብሄራዊነት ከም ሃገር ንምህናፅ ዝተኸደሉ ርሕቐት ብፍሉይ ጠመተ ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment