መድረኽ ዘተ ፋይናንስ፣ እቶት፣ ፕላንን ልምዓትን ፌዴራልን ክልላትን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 29 መድረኽ ዘተ ፋይናንስ፣ እቶት፣ ፕላንን ልምዓትን ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ እቲ መድረኽ ዘተ ተግባራዊ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ፕሮግራም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ፋይናንስ መንግስቲ፣ ኣብ ሃገራዊ ትልሚ ልምዓትን ዓውዲ እቶትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝገበረ ፀሪሖም፡፡

እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እቶት ውሽጢ ሃገር ምእባይ፣ ኣብ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብምድራኽ ዘላቒን ዘተኣተማምንን ብዝኾነ መልክዐ እታ ሃገር ቅድሚት እትህቦም ፕሮግራማት ልምዓት ፋይናንስ ንምግባር ቁልፊ ግደ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም፡፡

“ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታውነቱ ኣብ ምርግጋፅ ካብ ፌዴራል ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ መንግስቲ ርብርብ ክገብር ይግበኦ” ምባሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment