ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ምኽክር ንዳግመ ሕውየት ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተሳሊጡ ።
እቲ መድረኽ ብመተሓባበራይነት ማሕበር ባህሊ ትግራይን ጩራ ኣቡጊዳ ኪነ ጥበባዊ ማሕበርን ዝተዳለወ እንትኾን ካብ ምስረታ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ዝተሰርሑ ስራሕትን ሕዚ እትርከበሉ ቁመና ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘቲዩሎም።
ኣቦ ወንበር ቦርድ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ዳንኤል ተኽሉ(ዶ/ር)፥ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ንብዙሓት ኣብ ፅብቕ ብርኪ ዘብፅሓት ኢያ ኢሎም።
ይኹን እንበር ንባህሊ ዝተውሃበ ቦታ እናቐነሰ ብምምፅኡ እታ ማሕበር ሰራሕተኛታታ ክሳብ ምብታን ብፂሓ ኣላ ከብሉ ገሊፆም።
“ብመሰረት ኣብ ባህሊ ዘለና ግጉይ ኣረዳድኣ ካብ ባህሊ ክንረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ኣይረኸብናን” ብምባል፥ ባህሊ ኩላትና እንናበረሉ ስለዝኾነ እናተበላሸወ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ንመንነትካ ዘይምግዳስ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።
ዘይንሓውየሉ ሕወየት ክተርፈና እዩ ዝግባእ፤ ካብቲ በፂሕና ዘሎ ብርክት ዝበለ በሰላታት ካብ መንጎ እንሓውየሎም መገድታት ሓደ ድማ ባህልና እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስለዚ ምእንቲ ባዕልና ኢልና ማሕበር ባህሊ ትግራይ ክትድሕን ክንረባረብ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ዳንኤል መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣብ 1988 ዓ.ም ካብ ትጣየሽ ጀሚራ ኣብ ባህሊ ምዕቃብን ምምዕባልን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝወገነት ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።