መድረኽ ዘተ ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ህዝቢታት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
 
እቲ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ “ህብረ ብሄራዊ ሓድነተና ንምጥንኻር ውሽጣዊ ፀገማትና ብልዝብ ንፍታሕ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኸውን፥ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም።
 
ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ታሪኮም ሓድነቶም ዘጠናኽሩ ጉዳያት ጎሊሆም ከምዝረኣዩ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተገሊፁ።
 
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ወይዘሮ ኣልማዝ መኮንን፥ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ብባህሊ፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ዝተኣሳሰሩ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ሃገር ብምህናፅን ካብ ፀልኢ ብምክልኻልን እንትረአ ታሪካዊ ሓድነት ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪበን።
 
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ዝተፈጠረ ፀገም ከምዘየለ እውን ሓቢረን።
ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝርከቡ ረብሐኦም ዘቐድሙ ፖለቲከኛታት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝግለፁ ዘየምርድዳኣት ከምዘለዉ ተዛሪበን።
 
ስለዝኾነ እቶም ፀገማት እናማዕበሉ እንተኸይዶም ኣብ መንጎ ህዝቢታት ዘሎ ርከብ ብኣሉታዊ መገዲ ንከይፅሎ ብጋንኡ ምፍታሕ ከምዘድሊ ሓቢረን።
 
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ዓበይቲ ዓዲ ብግደኦም፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ሰላምን ፍቕሪን ንመላእ እዛ ሃገር ሓድነትን ሕብረትን ከም መርኣያ ዝውሰድ ኢዩ ኢሎም።
 
ፀላኢ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ሰይፊ ስለ ዘየምዘዝ፥ ዝረኣዩ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ምፍታሕ ከምዝግባእ አገንዚቦም።
 
መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ምሁራንን “ኣክቲቪስታት”ን እውን ኣብ መንጎ ሀዝቢ ኣፈላላይ ዝፈጥሩ ፀብፃባት ካብ ምትሕልላፍ ብምቑጣብ፥ ሓበራዊ ክብሪታት ኣብ ዘጎልብቱ ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
 
እቲ መድረኽ ዘተ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ሰላምን ጀስትስ ፎር ኦል ፕሪዝን ፌሎሽፕ ኢትዮጵያን ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment