መድረኽ ዘተ ምምሕዳር ኤሌክትሮኒክስን ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽንን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ምምሕዳር ኤሌክትሮኒክስን ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽንን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝካየድ ዘሎ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምዝማን ዝኸድኡ ጉዕዞ ዕውትነትን ዕንቅፋትን ንምቕራፍ ንዝግበሩ ሽግግራት ቴክኖሎጂ ተመክሮ ክቐርብ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ዋና ዳይሬክተር ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ውባየሁ ማሞ (ኢ/ር)፥ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተመክሮ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣወሃህባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ፣ ዕዳጋ ኢሌክትሮኒክን ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኒሚ ንምህናፅ እትገብሮ ፃዕሪን ብተመክሮ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ሩሲያ ተመክሮ ብምውሳድ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ክገብራሉ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ 37 ሃገራት ኣፍሪካ ይሳተፋ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment