መድረኽ ዘተ ምሁራን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ሰላምን ሜትሮ ፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ኮተቤ ዘዳለውዎ መድረኽ ዘተ ምሁራን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ልእላውነታን ረብሓኣን ዝተረጋገፀን ዝተኸበረን ሃገር ኣብ ከይዲ ምህናፅ ግደ ምሁራንን ብሄራዊን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር ብታሪክ ኣብ ዝተገበረ ተጋድሎ ኣብ ውሽጢ ቅብብል ትውልዲ ብሄራዊ ሓላፍነት ዜጋታት ኣብ ዝብል ርእሲ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ብተወሳኺ ገድብ ህዳሰና ሓድነትናን ሉእላውነትናን ብመንፅር ምኽባር ኣድላይነት ተሳትፎ ዜጋታትን ብሃገር በቆል ልምዲታትን ፍልጠታትን ኣቢልካ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ግደ ትካላት ባህሊ ኣብ ዘብሉ ርእሰ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምሁራን፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ከምኡውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተሳቲፎም።

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment