መድረኽ ዘተ መተኣኻኸቢ ሓሳባት ኣማራፂ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ መተኣኻኸቢ ሓሳባት ኣማራፂ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ምስ ሲቪል ማሕበራት፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ዴሞክራን እናተኻየደ ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ዝተኻየደ መድረኽ መጀመሪ ሃገራዊ ምትእኽኻብ እታወት ኣማራፂታት ፖሊሲ ቀጢሉ ካልኣይ መድረኽ ኢዩ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካውንስል ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ሄኖክ መለሰ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብ እዋን ጎንፂ ዘጋጥሙ ጥሕሰታት ቀንዲ ተቓላዕቲ ዝኾና ኣብ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ንምምፃእ ፃዕሪ ዝገብር ምይይጥ ምክያዱ ዝተፈለየ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊጾም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈቶም ምዕራፋት ታሪኽ ዘጋጠሙ ብሕቡእን ዓበይቲን ጥሕሰታት ሓላፍነት ክውሰድ ከምዝግባእ ብምግንዛብ÷ ኣብ ምትእኽኻብ ኣማራፂ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኩሉ እታወት ከዋፅእ ከምዝግባእ ሓቲቶም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment