መድረኽ ዘተ መበል 29 ጉሚ በለል ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ መበል 29 ጉሚ በለል “ዓድዋ ሓድነት፣ ጅግንነትን ናፅነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ሓዊሱ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ንመዛተዪ ዝኸውን መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ንናፅነቶም ዝተዋደቑሉን ብሓድነት ዝተሳተፉሉን ዓወት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምዃን እቲ ዓወት ንኽምዝገብ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ እውን ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ።

እዚ ወለዶ፥ ሃገር እንትትንካእ ብሓባር ምስላፍን ዓወት ምዕታርን ኣቦታት ኣምሂሮም ናፃ ሃገር ከምዘረከቡዎ ክግንዘብ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ዓወት ዓድዋ ኣብ ህንፀት ሃገርን ህዝቢታት ኣብ ምትእስሳርን ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተዘ ተገሊፁ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment