መድረኽ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ነዋይ ኢትዮጵያ ብዕሊ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ነዋይ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ተኸፊቱ።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሓለፍቲ ትካላት ባንኪታትን ኢንሹራንስን፣ ኣባላት ቦርድ ተሳቲፎም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ዓብዱራህማን ኢድ ታሂርን ዋና ዳይሬክተር ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ(ዶ/ር) ነቲ ጉዳይ ጠሚቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ መነግስቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ በዓል ዋና 25 ሚኢታዊት ብፅሒት ነክህልዎ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ሰነደ መዋእለ ነዋይ፥ ንሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብፅሒት በዓል ዋናነት ንምሻጥ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ዓውዲ ውልቀ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምዕባለ ዘለዎ ግደ ክህልዎ ዝገብር ዕዳጋ ከምዝፈጥር ገሊፆም።

ሰነደ መዋእለ ነዋያት ኢትዮጵያ፥ ኣክሲዮንን ቦንድን ብስርዓት ዲጂታል ዕዳጋ ንዕድጊትን ሽይጣትን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ከምዘቕርብ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment