መድረኽ ኣፍልጦን ምስጋናን ናይ ክብሪ ዶክተር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብመንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተዳለወ መደብ ኣፍልጦን ምስጋናን ናይ ክብሪ ዶክተር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ምስጋናን ኣፍልጦን፥ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኢዩ ሎሚ መዓልቲ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣፍልጦ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት፣ ማሕበረሰብ ኪነ-ጥበብ፣ ኣዕርኽቲን ኣርቲስት ከምኡ እውን ስድርኡ ንዓሊ ቢራ ተረኺቦም።

ናይ ክብሪ ዶክተር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ፥ ልዕሊ 60 ዓመታት ንዕቤት ባህሊ፣ ኪነ-ጥበብን ቋንቋ ህዝቢ ኦሮሞ ርኡይ ግደ ዘበርከተ ውሩይ ኣርቲስት ኢዩ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ንኩለመዳይ ማዕርነትን ምትሕብባርነር ህዝቢታት ዘበርከቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ንመሃብ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣርቲስት ዓሊ ቢራ፥ ብቛንቛታት ኣፋን ኦሮሞ፣ ኣምሓርኛ፣ ሶማሊኛ፣ ሃረሪ፣ ዓረቢኛን ካልኦትን ሙዚቃ ተፃዊቱ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment