መድረኽ ኣዲስ ወግ ‘ህዝብና ዓቕሚና’ ብዝብል ርእሲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ መድረኽ ዘተ ኣዲስ ወግ 2015 ዓ.ም ‘ህዝብና ዓቕሚና’ ብዝብል ርእሲ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ኘላንን ልምዓትን  ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ፣ በዓል ሞያ ስነ-ህዝቢ ኘሮፌሰር ንጋቱ ገዳን ዳ/ር የሽጥላ ወንድሜነህን ኣቕረብቲ መዛተዪ ፅሑፍ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዶክተር ፍፁም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ÷ “ቁፅሪ ህዝቢ ዓቕሚ ንኽኸውን ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልኦት ዘፈራትን ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ፡፡

ኣሰራርሓ ምጥዕዓም ፖሊሲ ተሰናዲኡ ናይ ምንባብ ስራሕ ከምዝተዛዘመ እውን ተዛሪበን፡፡

በዓል ሞያ ስነ-ህዝቢ ኘሮፌሰር ንጋቱ ገዳ ብግደኦም÷ ምውሳኽ ቁፅሪ ህዝቢ ኣብ ከባቢ ከተማታት ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት ፀገማት ከምዝፈጥር ኣልዒሎም፡፡

ችግሮቹን ለመፍታት በሚደረግ ጥረት በቴክኖሎጂ የታገዙ አዳዲስ የአሰራር ሥርዓቶችን ለመፍጠር ዕድል ይፈጥራልም ነው ያሉት

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ሓደሽቲ ስርዓት ኣሰራርሓታት ንምፍጣር ዕድል ከምዝፈጥር እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment