መድረኽ ርእይቶ ሰብ ሞያታት ኣብ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፃራዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘዳለዎ መድረኽ ርእይቶ ሰብ ሞያታት ኣብ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣድሂቡ ዝቐረበሉ ሕቶ ዝምልከቶም ትካላትን ሰብ ሞያታትን ርእይቶ ንክህብሉ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ እቶም ሰብ ሞያታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ፥ ምስ ዝቐረበ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ዘለዎም ሓሳብ የቕርቡ ኣለዉ።

ኣብቲ መድረኽ ኣካቢት ጉባኤ ምፅራይ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ሓዊሱ ካልኦት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ተረኺቦም ኣለዉ።

እቶም ሰብ ሞያታት ምስ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ዝተተሓሓዘ መብራህርሂ ይህቡ ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment