መድረኽ ምጥንኻር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮ-ሱዳን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ምጥንኻር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮ-ሱዳን ተጀሚሩ።

መፃኢ ትውልዲ ሓድነት ኣፍሪካ ንከጠናኽር ዝዓለመን ኢትዮጵያ እተሰናድኦን ኣብ ዝተፈላለዩ ኤምባሲታት ዝካየድ መድረኽ ሕውነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ሱዳን ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ኣፍሪካን ኣባል እቲ ምስንዳእ ኮሚቴን ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውለ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።

መርሃ ግብሪ እቲ ዘተ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት በቢእዋኑ ብዝፍጠሩ ፀገማት እንትይተገደበ ናይ ሓባር ክብሪታት ብምጉላህ ብዘላቕነት ንክጠናኸር ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀማል ኣሸር ኣሕመድ ብግደኦም፥ ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሕውነትን ምትእስሳርን ህዝቢታት ንምጥንኻር ጠሚሩ ክሰርሕ ኣለዎ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment