መድረኽ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን መዓድን ኣብ ባሕርዳር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን መዓድን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባሕርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

ሃፍቲታት መዓድን እቲ ክልል ዝምልከት ምይይጥ እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ይልቃል ከፋለ፣ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ተረኺቦም።

እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 24 ዓይነታት መዓድን ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ንእታወት ህንፀት፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎት ኢነርጂን ዝውዕሉ ዝኸበሩ መዓድናት ብብዝሒ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment