መድረኽ ምልዕዓል ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ምልዕዓል ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝኽሪ ዓድዋ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ 2016 “ወለንታን ሕብረትን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝውገን ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ዘሰናድኡዎ÷ ሚኒስቴር ሰላም፣ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ትምህርቲን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምክፋል መኣዲ፣ ኣገልግሎት ትምህርቲን ጥዕናን፣ ዓቕመ ደካማታት ምሕጋዝ ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ብ14 ዓውዲታት ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ናብ 40 ሚሊየን ዝፅግዑ ዜጋታት ከምዝሳተፉ፤ በዚ ድማ ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ዝትመን ኣገልግሎት ከምዝወሃብን ልዕሊ 50 ሚሊየን ወገናት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑን ተሓቢሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣገልግሎት ወለንታ እዋን ክረምቲ 2016 ከምዘጀመሩ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment