መድሓኒት ዴክሳሜታሰን ብፅኑዕ ዘሓመሙ ሰባት ንምሕካም ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝሪኦ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መድሓኒት ዴክሳሜታሰን ብፅኑዕ ዘሓመሙ ሰባት ንምሕካም ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝሪኦ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

መድሓኒት ዴክሳሜታሰን ኣብ ቀዳማይ ዙር ውፅኢት ብኮቪድ-19 ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ህይወቶም ንምትራፍ ከምዝኸኣለ እቲ ትካል ገሊፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፥ እቲ መድሓኒት ብሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ(ቬንትሌተር)ን ኦክሲጅንን ዝትንፍሱ ሕሙማት ናይ ሙማት ዕድሎም ከምዝንኪ ተመራመርቲ ብሪታንያ ዘውፅኡዎ ውፅኢት ከምዝካፈል እውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዴክሳሜታሰን ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ ንምሕካም ከምዝውዕል ዝገለፀ እቲ ውድብ፥ እቲ ሕማም ዘይበርተዖም ሰባት ግን ክወስዱዎ ከምዘይምከር ኣገንዚቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ዴክሳሜታሰን ብሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ(ቬንትሌተር)ን ኦክሲጅንን ዝትንፍሱ ተሓከምቲ ናይ ሙማት ዕድል ዝንኪ ፈላማይ መድሓኒት ከምዝኾነ ገሊፆም።

መድሓኒት ዴክሳሜታሰን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፕውያን ካብ 1960 ጀሚሩ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ሕክምና እናወዓለ ከምዝነበረ ኢዩ እቲ ትካል ዝሓበረ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ መጀመርታ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ከምዝበፅሖ ብምግላፅ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ድማ ምስቲ መድሓኒት ዝተትሓሓዘ ሙሉእ ትንተና ከምዝገብር ገሊፁ ኣሎ።

እቲ መድሓኒት መዓዝን ከመይን ኣብ ምሕካም ኮቪድ-19 ክውዕል ከምዝግበኦ ኣብ ቀፃሊ ከምዘፍልጥ እውን ኣገንዚቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment