መድሓኒት ዓሶ ንቫይረስኮሮና ንምውዓል ዝግበር ዝነበረ መፅናዕቲ ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ንተሓከምቲ ቫይረስኮሮና ክፍውስ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተገይርሉ መፅናዕቲ ፈተነ እናተኻየደሉ ዝነበረ ሃይድሮክሎሮኪን ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።

መድሓኒት ፀረ- ዓሶ  ዝኾነ እቲ ፈውሲ፥ ቀዲሞም ብቫይረስኮሮና ንዝሓመሙ ኾነ እቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ረብሓ ክውዕል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ እቲ መድሓኒት ንኮቪድ-19 ከምዝፍውስን ንባዕሎም’ውን ይወስድዎ ከምዝነበሩን ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።

ይኹን እንበር ብመፅናዕቲ ክረጋገፅ ኣይከኣለን።

ሕዚ ድማ እቲ መፅናዕቲ ፈተነ ደው ክብል እቲ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ወሲኑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መግለፂኡ ከምዝበሎ፥ ዛጊድ ዝተገብሩ ፈተነታት እቲ መድሓኒት ንቫይረስኮሮና ከምዘየድሕን እዩ ዘርእይ።

“ዘ ላንሴት” ዝተብሃለ ፍሉጥ መፅሄት ጥዕና፥  ቅድም ክብል እቲ መድሓኒት የግዳስ መጠን ሞት ክውስኽ ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ እዩ።

እንተኾነ ኣብቲ መጽሄት ዝወፅአ መፅናዕቲ ጉድለት ኣለዎ ስለዝተብሃለ እቲ ዓለማዊ ትካል ተወሳኺ መፅናዕቲ ከካየድ ጀሚሩ ነይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment